ደምዳሚ መግለጺ 5ይ ዋዕላ መንእሰያት ህግደፍ | Print |
Written by Administrator   
Sunday, 03 May 2009 13:21

ሓሙሻይ ዋዕላ መንእሰያት ህግደፍ ኤውሮጳ: ኣብ ኢጣልያ ከተማ ሮማ, ካብ 9-13 ሚያዝያ 2009 ተኻይዱ። እዚ ልዕሊ 560 መንእሰያትን ናይ ክብሪ ኣጋይሽን ዝተሳተፍዎ ዋዕላ: ኣብ ዝተፈላለዩ ኣርእስትታት ንኣርባዕተ መዓልታት ጽዑቕ ክትዓትን ነቐፌታዊ ገምጋማትን ኣካይዱ። ካብ 4 ዋዕላ ክሳብ ሕጂ ንዝተፈጸሙ ዕማማት መዚኑ፣ መጻኢ መደባቱ ስኢሉ። ኣብ ህሉው ኩነታት ሃገርናን ዓለምን ነዊሕ ግዜ ብምውሳድ ነቲ ብብጻይ የማነ ገብረኣብ ሓ/ፖሎቲካዊ ጉዳያት ህግደፍ: ዓለም ኣብ "ድርኩኺት ለውጢ" ብዝብል ኣርእስቲ ዝቐረበ ወረቐት ምስ ኩነታት ኤርትራ ብምዝማድ: ሃገርና እትሰግሮ ዘላ ብድሆታትን መጻኢ ዕድላን ተረዲኡ።

ንተራ መንእሰይን መስርሕ ልሙጽ ምትኽኻእን ብዝምልከት ብ ብ/ሱልጣን ስዒድ ኣቦ-መንበር ሃማመተኤ ንዝቐረበ መግለጺን "መኸተ: መጥቃዕትታት መራኸቢ ብዙሃን" ብዝብል ብ ብጸይቲ ሶፍያ ተስፋማርያም ዝቐረበ ኣስተምህሮን: ዘትዩሉ።

 

5ይ ዋዕላና:

  • ምንቅስቓስ መንእሰያት ህግደፍ ብደረጃ ዓለም ክውንነት ምዃኑ ብምርግጋጽ:
  • ምንቅስቓስና ብዓይነትን ዓቐንን ክዝርጋሕ ከምዘለዎ ብምርዳእ:
  • ምንቅስቓስና ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ኣፍሪቃን: ኪዝርጋሕ ምብቅዑ ብምዝካር:
  • ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝካየድ ዘሎ መንእሰይ ዘማእከለ: ዓብይቲ መደባት ብምንኣድ:
  • ምህናጽ: ንቑሕ ሓያል ሃገራዊ ምንቅስቓስ መንእሰያት: መስርሕ ምዃኑ ብምግንዛብ:
  • ምንቅስቓስና ኣብ መንእሰያት: ኣብ ኤርትራዊ ኮማት: ኣብ ንነብረሉ ሃገራት: ደራኺ ሓይሊ: ኣብነታዊ ኣገልጋሊ ኪኸውን: ብንጥፈት ኪዋሳእ ከምዘድልዮ ብምግንዛብ:
  • ምንቅስቓስና: ምስ ዕብየትን ስፍሓትን ንዝቕልቀሉ ብድሆታት ብምስትብሃል:

 

5ይ ዋዕላና:

  1. ምንቅስቓስና ካብዚ በጺሕዎ ዘሎ ምዕራፍ ንላዕሊ ንጥፈቱ ከዛይድ ወሲኑ፣
  2. ኤርትራ ብሓፈሻ: ኤርትራ ኮም ኣብ ወጻኢ (Erispora) ድማ ብፍላይ ዝሕበነሉን ዝኾርዓሉን ዝተፈላለዩ ኣገልግሎታት ኪህብ ወሲኑ፣
  3. ኣብ ዝተፈላለየ ዓውድታት ዕዉት ኤርትራዊ ኪብርክት: ኪሰርሕን ከተባብዕን ወሲኑ፣
  4. ምስ ኩለን ሃገራዊ ውዳቤታት Erispora ውሁድ መደባት ከካይድ ወሲኑ፣
  5. ብደረጃ ከባብን ዞባን ኣወዳድባን ቅርጽን ከማዕብል ወሲኑ፣
  6. ንርእሰ ከተማ መንእሰያት ኤርትራ "ሳዋ": ፍሉይ ቆላሕታ ሂቡ ኪሰርሕ ወሲኑ፣
  7. 6ይ ዋዕላና ዝካየደሉ ቦታን ዕለትን ወሲኑ።

 

5ይ ዋዕላ:

ሀ. ዓለማዊ ፖሎቲካውን ቁጠባውን ቅልውላዋትን ጽልውኡን ብምርዳእ: ኤርትራ ተዓዊታ ኪትወጽእ: ንጻዕርታት መንግስትን ግንባርን ይድግፍ፣

 

ለ. ኤርትራ ኣብ ሓድሽ መድረኽ ንኽትኣቱ ተታሒዞም ዘለዉ ዓበይቲ: ፖሎቲካውን ቁጠባውን ማሕበራውን ናይ ቀረባ መደባት ንምዕዋቶም ኣበርቲዑ ከምዝሰርሕ ዳግም ኣረጋጊጹ፣

 

ሐ. ሓይሊ መንእሰይ ንምዝራው: ልምዓታዊ ደገፍ ንምትዕንቓፍ: ምስሊ ኤርትራ ንምድዋን: ሓድነት ህዝቢ ንምዝራግ: ዝካየዱ ኩሎም ሃቐነታት ብትሪ ይኹንን፣ ብሙሉእ ዓቕምና ከምእንምክቶ እንዳረጋገጸ: ህዝብና ከም ወትሩ ኪነቕሓሉ ይጽውዕ።

 

ኣብ መደምደምታ: 5ይ ዋዕላ: ብኹልንትንኡ ዕዉት ኮይኑ ንኽወጽእ: ብብቕዓትን ብውርጻጸን ልዑል ተወፋይነትን: ዝሰርሑ ኣዳላዊት ሽማግለ ሓሙሻይ ዋዕላን ጉጅለታት መንእሰያት-ህግደፍን ኢጣልያ: ቤ/ጽ ንኡስ ዞባ: ኤምባሲ ሃገረ ኤርትራ: ማሕበረ ኮማትን ኤርትራዊ ውዳቤታትን ኢጣልያ: ዝለዓለ ምስጋናኡ ይገልጽ።

 

መንእሰያት መራሕቲ ጽባሕ ጥራይ ዘይኮኑ: መሻርኽቲ ሎሚ'ውን ኢዮም!

 

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንስዉኣትና!

ወትሩ ዓወት ንሓፋሽ!

 

5ይ ዋዕላ መንእሰያት ህግደፍ ኤውሮጳ

13 ሚያዝያ, 2009


blog comments powered by Disqus